One Knowledge
Away

Educate your self to achieve financial goal with knowledge

The Formula

LEARN

SERVE

GROW

.

OUR MISSION

We believe with access to online learning resources anyone, anywhere can gain knowledge and transform their lives in meaningful ways. To do that, we’ve created a wide range of programs to help you in your journey of creating wealth, and financial confidence.

What they Say

ሑሩይ ወልዳይ Germany

ናብዚ ትምህርቲ ምስታፈይ ንዓይ ዓቢ ግድላት እዩ ተፈቲሑለይ ብፍላይ ድማ ሕልመይ ከነጽር ዘኽኣለኒ ፍልልይ ኣብ መንጎ ሕልምን ዕላማይን ምፍላጠይ እዩ ። ኣብዚ ዘሎ ትምህርቲ ብገንዘብ ዘይዕቀን ብምዃኑ ማንም ሰብ ክሓልፎ የብሉን ።

ተኽሊት ያሲን Israel

ፍልጠት እንተሎ ኣብ ሂወትካ ወሳኒ ንኽትከውን ይሕግዘካ ። እቶም ፈሊጦም ውሳኔ ዝወስዱ ኸኣ ዕውታት እዮም ። ኣነ ኣብዚ ትምህርቲ ብምስታፈይ ብዙሕ ፍልጠት እየ ደሊበ ብፍላይ ንዓይ ኣድማዒ ኮይኑ ዝረኸብክዎ ድማ ኣብ ምምሕዳር ገንዘብ ።

መርሃዊት ፍጹም USA

አብ ሂወት ብኸመይ ዕውታት ኮይንና ንወጽእ ሃናጺ ዝኮነ ትምህርቲ እዩ ። እቲ መሰረታዊ ናይ ገንዘብ ኣገባብራብ ኣመሓድራን ተማሂረ ። ብፍላይ ከአ ብቋንቋና ኮይኑ ብውሑድ ክፍሊት ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክካፈሎ ድማ ይዕድም ።

ረዘነ ተስፋጽዮን Germany

ኣደም ሓደ ካብቶም መሰናኽል ስደት ናብ ረብሓ ዝቐየሩ ኣብነታዊ ናይ ኣርማ ሕብረተስብ ኢዩ። ኩሉ ፍልጠቱ ከይበቀቐ ንዓይ ኣብ ቁጠባዊ ሓርነትን ስቶክ ማርኬትን ብዝመሃረኒ መሰረት ኣብቲ ዓውዲ ንኽነጥፍ ኣኽኢሉኒ ።

የማነ ኣምበሳጀር Norway

ቅድሚ ናብዚ ትምህርቲ ምእታወይ ዝነበረኒ መረዳእታ ድልየት ጥራይ እዩ ነይሩ ። ድሕሪ ምምሃረይ ግን ብዛዕባ ዕላማ ፡ ራኢ ፡ እስትራተጅን ዝኣመሰሉ ክፈልጥ ኣኽኢሉኒ ። ነሕዋተይ ክብሎም ዝደሊ ድማ ኣብ ሓበሻንዩር ብምምዝጋብ ፍልጠትኩም የዕብዩ ።

ሚካኤል ገብረሂወት Indonesia

እዚ መንገዲ ኣገባብራ ኮርስ ካብ ጽፈቱን ኣገባብ ኣመሃህራ መም. ኣደምን ጀሚርካ ደስ ኢልካ ኢኻ ትመሃሮ። ኽበጽሖ ንዝደለዅ ዕላማ፡ እንታይ ዓይነት እስትራተጂ ወይ ሜላ ተኸቲለ እበጽሖን ካልእን ዝብሉ ሕቶታት መልሶም ኣብዚ ኮርስ'የ ረኺበዮም ።

ሙሳ መሓመድኣወል Germany

ኣብዚ ትምህርቲ ብጣዓሚ ኩሉ መሳጥን ማሃርን ኮይኑ ብዚያዳ ግን ኣብ ምርግጋጽ ናይ ቢዝነስ ሓሳባትን ነቲ ሓሳበይ ብቁዕ ድዩ ኣይብቁዕን ከረጋግጸሉ ዝኽእል ሜላ ተማሂረ። ቢዝነስ ከመይ ጌርካ ከምትጅምር ዝተኸወሎ ሰብ ንኽመሃር ይዕድሞ ።

ምሉእ ገብርሂወት Israel

ሕልሚ ናብ ዕላማ ኣነጺርካ ፡ እስትራተጂ መሪጽካ ናብ ዕላማኻ ዘብጽሕ ትምህርቲ እዩ ። ከምኡውን ብዛዕባ ኣጀማምራ ቢዝነስ ዘኽእለኒ ትምህርቲ ቐሲመ ። እዚ ትምህርቲ ወላኳ ቢዝነስ ኣይትግበር ኣብቲ እትሰርሓሉ ትካል ጸብለል ክትብል የኽእለካ።

ኣንዋር ዓብደላ Saudi Arabia

መንገዲ ኣገባብራ ገንዘብ ንዝተሰወሮ ወይ ነቲ ጉዕዞ ከሕጽሮ ንዝደሊ ሰብ እዚ ትምህርቲ ብዕምቆት ርድኢት ዝህብ ኮይኑ ረኺበዮ ። ዝኾነ ሰብ ርድኢት ኣብ ገንዘብ ክገብር ዝደሊ ድማ ብዘይ ወዓል ሕደር ተማሃር ምበልክዎ።

ዑቕባጋብር የማነ Israel

ኣደም ኣዝዩ ህርኩትን ፍልጠት ዝመልኦ ኮይኑ ንሰባት ንምሕጋዝን ካብቲ ዘለዎ ዕቑር ፍልጠቱን ተመኩሮኡን ከካፍል ወትሩ ድሉው ብሙዃኑ ኣነ ድማ ድሕሪ ነዚ ትምህርቲ ምውሳደይ ነቲ ናይ ገንዘብን ቢዝነስን ኣፍልጦይ ክዓቢ ክኢሉ።

እስማዒል መሓመድ Norway

ብመጀመርያ ንመምህር ኣደም ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን ብምቕጻል እዚ ትምህርቲ ንዕዓይ ከመይ ጌረ ዕላማይ የነጽር ፡ እስትራተጂ ይመርጽ ፡ ፕላን ኣወጻጽኣን ከምኡ ድማ ብትኽክል ናይ ቢዝነስ ኣጀማምራን ትምህርቲ ቐሲመ።

ወልዱ ክፍላይ Israel

ኩሉ ቢዝነስ ብፍልጠት ክጅመር ከምዘለዎ ስለ ዝኣምን ነዚ ናይ ቢዝነስ ትምህርቲ ክመሃር ወሲነ። ወላኳ ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮ እንተዘይከኣልኩ እቲ መሰረታዊ ሓሳባት ኣፈላፍላን ዕዳጋ ኣጸናንዓን ገለ ካብቲ ዝተመሃርክዎ እዮ።

ዓቃቢ ተመስገን Sweden

ድሕሪ ፈጣሪ ንመምህር ኣደም ነቲ ተገዲሱ ንዝመሃረና በዚ ኣጋጣሚ ከመስግኖ ይደሊ። እዚ ትምህርቲ ንዓይ ኣብ ሂወት መቐይሮ ክግብር ዘኽኣለኒ ኮይኑ ከምኡ ድማ ንኽቕየር ዝደሊ ሰብ ናብዚ ትምህርቲ ንኽምዝገብ መተባባዕክዎ።

ሃብቶም ግርማይ Denmark

ኣብዚ ትምህርቲ ዓቢ ለውጢ ኣብ ሂወተይ ክገብር ኣኽኢሉኒ። ብፍላይ ነቲ ዘለካ ገንዘብ በዘየገስ ብዙሕ ይኹን ውሑድ ከመይ ጌርካ ከም ተመሓድር ኣፍሊጡኒ ። እዚ ትምህርቲ ብቐሊሉ ዘይርከብ ኮይኑ ንመምህር ኣደም ድማ መፍትሕ ምበልክዎ።

ሃብቶም ትእዛዝ Israel

ኣብዚ ትምህርቲ ንጹር ዕላማ ንኽገብርን እስትራተጂ ንኸውጽእ ሓጊዙኒ ከምኡውን ብዛዕባ ስቶክ ማርኬት ኣፍልጦ ዘይነበረኒ ኣፍልጦ ክገብር ኣኽኢሉኒ ። ክምዝገብ ንዝደሊ ሰብ ብውሑድ ክፍሊት ብዙሕ ፍልጠት ዝርከቦ ብምዃኑ ንኽትምሃሩ ይዕድም።

Take Action

Toward Your Financial goal

Watch Video

How to install Habeshaneur Application

Learn . . .
From Your Comfort Place

Habeshaneur App allows you to access Courses & Groups any where any time. You will also get valuable  contents in Personal development,  Business & Financial Topics

Email : info@habeshaneur.com

@ Habeshaneur All Rights Reserved  I  Terms  I  Privacy